ምእንቲ ቅዱሳን ኣሕዋትናን ገዛእ ርእስናን እንታይ ኢልና ንጽሊ፧

             ጸሎት ምስ ኣምላኽ ምዝርራብ እዩ ብምባል ብዙሓት መማህራን መጽሓፍ-ቅዱስ ዝሰማምዕሉ ነጥቢ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እነንብብ ድማ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና፡ ሃገር፡ መራሕቲ፡ ቤተክርስትያን፡ ፈተውትና፡ ስድራቤትና . . . . ኮታስ ስለ ኹሉ ነገር ክንጽሊ ከምዝግባእ ይምህረና። እምበኣር ንሕጂ ስለ ኣመንቲ ኣሕዋት እንታይ ኢልና ክንጽሊ ከምዝግባእ ካብ ቃል ኣምላኽ ንርአ።

           ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መልእኽታቱ ስለ እቶም ኣመንቲ ማሕበራት ይጽሊ ከም ዝነበረ ይገልጽ እዩ። ኣብ መልእኽታቱ ድማ ንሰብ ኤፌሶን፡ ፊሊጲን ቆሎሴን ድማ እንታይ ኢሉ ይጽሊ ከም ዝነበረ ይሕብር። እተን ዝጽልየን ዝነበረ ድማ ኣብ ኤፌ 1: 17 -21፥  ኤፌ 3: 14-19፥  ፊሊ 1: 9-11፥ ቈሎ 1: 9-12 ተጠቒሰን ኣለዋ። እተን ቀንዲ ነጥብታት ድማ ኣብዘን ዝስዕባ የተኩር፥pray

  1. ክወሃቦም ዝግባእ

  2. ክፈልጥዎ ዝግባእ

  3. ከስተውዕልዎ ዝግባእ

  4. ክመልእዎ ዝግባእ

  5. ክኾንዎ ዝግባእ

          ሃዋርያ ጳውሎስ ናብዘን ነጥብታት ኣተኲሩ ዝጸለየሉ ምኽንያት ኣገዳስነተን ስለ ዝፈለጠ እዩ። ንሕና’ውን ኣሰር ሃዋርያት ስዒብና ምእንቲ ኣመንቲ ኣሕዋትና፡ ስለ ማሕበራት ኣምላኽን በዘን ነጥብታት ክንጽሊ ይግባእ።

         መሰረት መንፈሳዊ ዕቤት፡ እቲ ኣምላኽ ዝህበና ነገራት እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ’ውን ኣብ ጸሎቱ ንኣምላኽ “ምእንቲ ክህበኩም” እናበለ ዝጽሊ ዝነበረ፡ ምንጪ መንፈሳዊ ዕቤት ብኣምላኽ እምበር ብሰብ ከምዘይኮነ ስለ ዝፈለጠ እዩ። እቲ ምእንቲ ክወሃቦም ዝጽልዮ ዝነበረ ጸሎት ድማ እዚ ዝስዕብ እዩ፥

  1. ኣምላኽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቦ ኽብሪ ብፍልጠቱ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላጽን ምእንቲ ኺህበኩም (ኤፌ 1:17)

  2. ብመንፈሱ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ብሓይሊ ምእንቲ ክትብርትዑ፡ ከምቲ ሃብቲ ኽብሩ ኺህበኩም (ኤፌ 3:16)

  3. በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዂሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም (ቈሎ 1:9)

          ሃዋርያ ጳውሎስ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ነጥብታት ካብ ኣምላኽ ክወሃቦም ዝጸለየሉ ምኽንያት ንሱ’ውን ባዕሉ ክህቦም ዘይክእል ብምዃኑ፡ እንተኾነ ግና ካብ ኣምላኽ ክወሃቦም ከምዝኽእል ብምእማን እዩ። ልክዕ ከምኡ ድማ ሎሚ ንሕና ስለቅዱሳን ኣሕዋትናን ገዛእ ርእስናን ካብ ኣምላኽ እዘን ነጥብታት ክወሃባ ንጸሊ። በዚ ድማ ክርስቶስ ኣብ ልብናን ኣብ ልቢ ቅዱሳን ኣሕዋትናን ክሓድር እዩ።

         ካባና ዝድለ እቲ ቀዳማይ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣብ መንፈሳዊ ዕቤት ፍልጠት እዩ። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ “ . . . . ክትፈልጡ እጽልየልኩም ኣለኹ” እናበለ ዝጸሓፈ። ገለ ካብቲ ክፈልጥዎ ዝድለ ድማ፥

  1. ኣዒንቲ ልብኹም በሪሁ፡ ተስፋ ጽዋዓኡ (ጽውዓ ኣምላኽ) እንታይ ምዃኑ (ኤፌ 1:18)

  2. ሃብቲ ርስቲ ክብሩ ኣብ ቅዱሳን’ውን እንታይ ምዃኑ (ኤፌ 1:18)

  3. ነቲ ሕልፊ ዘለዎ ዓብዪ ሓይሊ ኣባና እንኣምን ዘሎና ኸም ስልጣን ሓይሉ ኣብ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ እንታይ ምዃኑ (ኤፌ 1: 19-21)

  4. ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ (ኤፌ 3:19)

            እሞ’ኸ ንሕና እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ኣርባዕተ ነጥብታት ንፈልጠን’ዶ፧ እንተዘይፈሊጥናየን ስለገዛእ ርእስና’ውን ኣምላኽ ፍልጠት ምእንቲ ክህበና ክንጽሊ ይግባእ። ከምቲ ንዓና ፍልጠት ዘድልየና ከምኡ’ውን ንቅዱሳን ኣሕዋትና ኣምላኽ ከፍልጦም ክንጽሊ ይግብኣና። እቲ ዝበለጸ መምህር መንፈስ-ቅዱስ እዩ’ሞ መንፈስ-ቅዱስ ከፍልጠና እዩ።

            እታ ሳልሰይቲ ነጥቢ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጽለያ ድማ ምእንቲ ከስተውዕሉ እዩ። ኩልና ሰባት ዋላ’ውን ብዝተፈላለየ መገዲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ሰኣን ምስትውዓል ክንጥቀመሉ ኣይንኽእልን። ስለዚ ነቲ ንፈልጦ ከነስተውዕለሉ ይግባእ። እቲ ምስትውዓል ዘድልዮ ነጥቢ ድማ “ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን፡ ምስ ኩሎም ቅዱሳን ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቊመቱን እንታይ ምዃኑ”   ኤፌ 3: 17-18 ብምባል ገሊጹዎ ኣሎ። ስለዚ ብዛዕባ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝሰረቱ ፍቕሪ ኣሕዋት ምስትውዓል ኣምላኽ ክህበና ስለ ገዛእ ርእስናን ስለ ቅዱሳን ኣሕዋትናን ክንጽሊ ይግባእ።

            ድሕሪ ፍልጠትን ምስትውዓልን ድማ ምምላእ ይመጽእ። ውሽጥና እንታይ መሊኡ ኣሎ፧ ሰባት ብዝተፈላለዩ ነገራት ዝተመልኡ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ጸሎቱ ግና ብዛዕባ ምልኣት ከምዚ ኢሉ ጸለየ፥

  1. ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ፍረ ጽድቂ ኽመልኡ (ፊሊ 1: 9-11)

  2. ክሳዕ ኩሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽመልኡ (ኤፌ 3:19)

             እሞ ንሕና’ኸ እንታይ መሊእና እሎና፧ ፍረ ጽድቂ’ዶ ወይስ ካልእ፧ እምበኣር ስለገዛእ ርእስናን ስለ ቅዱሳን ኣሕዋትናን ብየሱስ ክርስቶስ ፍረ ጽድቂ ክሳዕ ኩሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ክንመልእ ክንጽሊ ይግባእ።

          ኣብ መወዳእታ ግን ከኣ ኣዚዩ ኣገዳሲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸለዮ ድማ ብዛዕባ እቲ ክኾንዎ ዝግባእ እዩ። ኣምላኽ ብዝሃበና ጸጋን ሓይልን፡ ኣባና መሊኡ ብዘሎ ፍልጠትን ምስትውዓልን ተደጊፍና ከምቲ ኣምላኽ ክንኮኖ ዝደሊ እንተዘይኮንና ከንቱ እዩ። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ክኾንዎ ዝግብኦም ከምዚ ኢሉ ዝጸለየ፥

  1. ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኮኑ (ፊሊ 1: 9-11)

  2. እቲ ዝሓይሽ ክትምርምሩ (ፊሊ 1: 9-11)

  3. እቲ ፍቕርኹም’ውን ብፍልጠትን ብምስትውዓል ዘበለ ዂሉን ኣዚዩ እናበዝሐ ክኸይድ (ፊሊ 1: 9-11)

  4. ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዂሉ፡ ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓቤኹምን ብዂሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ (ቈሎ 1:10)

  5. ንእኡ (ንእግዚኣብሄር) ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ (ቈሎ 1:10)

  6. ብሓጐስ ብጽንዓት ዘበለ ዂሉ፡ ንብዘሎ ትዕግስትን ዓቕልን ብሓይሊ ክብሩ ክትብርትዑ (ቈሎ 1:11)

  7. ነቲ ናብ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ናብ ብርሃን ዘብቅዓና ኣቦ ከተመስግኑ (ቈሎ 1:12)

            እሞ ንሕና’ኸ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ነጥብታት ኣብ ህይወትና ኣለዋ’ዶ፧ ስለ ገዛእ ርእስና ጥራይ ዘይኮነስ ስለ ቅዱሳን ኣሕዋትና’ውን ኣብ ህይወቶም ምእንቲ ክህልዋ ክንጽሊ ይግባእ።

           ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝነበሩ ማሕበራት ዝጸለዮ ጸሎት፡ ንሕና’ውን ከምኡ ክንጽሊ ይግባእ። ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዩ ኣብ ሓሙሽተ ነጥብታት ዘተኮረ ጸሎት ጸለየ። ንሕና’ውን ከየባተኽና ምእንቲ ቅዱሳን ኣሕዋት ንጸሊ።

ምእንቲ ናይ ዘልኣለም ምድሓን ክረክብ፡ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ ?

ናይ ዘልኣለም  ህይወት ክትረክብ እንታይ ክትገብር -ክትገብሪ- ከምዛግብኣካ ትፈልጥዶ?  ክቡር ሓወይ፡ ክብርቲ ሓፍተይ ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎ ፣ ሞይትካ ብእኡ ጌርካ ትጠፍእ ማለት ኣይኮነን ። ኣምሊኽሲ ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ ከጥፍኦ ኢሉ ኣይፈጠሮን እሞ ። ድሕሪ ሞት ህይወት ብርግጽ ኣሎ። እምበኣርሲ ነዘ ትስዕብ ሓጻር መልእኽቲ ብምንባብ ናይዘልኣለም ህይወት ክትረኽቡ ክshalom heavenሕግዘኩም እዩ። የሱስ የፍቅረካ እዩ!! የሱስ የፍቅረኪ እዩ!!  እግዘኣብሄር ፍቕሪ እዩ።  ስለዝኾነ ከኣ ንዓኻ ንዓኺ የፍቅረካ እዩ፣  የፍቅረካ ስለዝኾነ ዘልኣለማዊ ህይወት  ክህበካ ይደሊ፣ እዚ ዘልኣለማዊ ህይወት  ክትቅበል ግን ካባኻ  ዝደልዮ  ነገር ኣሎ። ንሱ ኸኣ ፡

*‘ኩልም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ’ውን ስኢኖም’ ይብለና እዩ እሞ። ሓጢኣተኛ ምዃንካ እመን ። ተነሳሕ ከኣ፣ ንእሽቶይ ሓጢኣት ዝበሃል የሎን። ኩለ ሓጢኣት እዩ። ሓሶት፡ሕሜት፡ ምንዛር፡ ስርቂ፡  ዘይናትካ  ምትምናይ ኩለ ሓጢኣት እዩ። መጽሓፍ ቅደስ  “ዒስቢ ሓጢኣት ሞት’ዩ” ይብለና።  እዘ ማለት ከኣ ካብ እግዘኣብሄር ተፈሊኻ ኣብ ገሃንም- እሳት ንዘልኣለም ክትድርበ  ማለት እዩ። ንጐይታና የሱስ እመን እሞ፡ ንስኻን ቤትካን ክትድሕን ኢኻ፣  ጐይታና የሱስ ኣብ  ቃሉ ከም’ዚ ኢሉ  “ትንሳኤን  ህይወትን ኣነ እየ፣ እቲ ብኣይ ዝኣመነስ እንተ ሞተ እኳ ብህይወት  ኪነብር እዩ።” (ዮሃ11።25)፣  እምበኣርሲ ዴሕሪ ሞት ትንሳኤን  ህይወትን  ክኾለልካ ነዚ ቃል የሱስ ክትኣምኖ ይግብኣካ፣ ኣሚንካ ኸኣ  ክትስዕቦ ይግብኣካ፣  እታ ዝበለጸት መዓልቲ ኣብ ህይወትካ። ንጐይታ የሱስ ዝረኸብካላ መዓልቲ ምዃና ኣስተውዕል፣ ሕጂ ብልብኻ ንየሱስ ብጸሎት ተቐበል ። ንሱ ኣብ መስቀል ዕዳ ሓጢኣትካ ከም ዝኸፈለልካ እመን፣ ደጊም ከም ቃሉ ተመላለስ። ከም ቀደምካ ብእተራእየካ ኣይትመላለስ፣ *መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ካብ ሎሚ  ጀምር፣ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ሰባት እንተለዉ፡ ምስኣቶም ተዘራረብ፣ *የሱስ ከምዚ ይብል።  “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዝስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር ። ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ።” (ዮሃ 8፡12) ፣ * “መንገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እይ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዝመጽእ የሌቦን፣”(ዮሃ 14፡6)፣ * “እቲ ደገ ኣነ እየ ፣ ብኣይ ዝኣቱ ኺድሕን ።  ኪኣቱን ኪወጽእን  መጓሰዩ’ውን  ኪረክብ  እዩ፣” (ዮሃ 10፡9)፣ * “ብእኡ ኽንድሕነሉ ዘግባእ ካልእ  ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ። ምድሓን  ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን፣”  (ግብ 4፡12)፣ * የሱስ ክርስቶስ ከዴሕነካ እዩ። ናይ ዘልኣለም ህይወት ክህበካ እዩ፣ ንሱ ሓቀኛ ሰላምን ደስታን ኣብ ውሽጥኻ ከውሕዝ እዩ፣ ንየሱስ ስዓብ። ሓጢኣት ምግባር ደው ኣብል፣ ሕጂ ከም’ዚ ኢልካ ጸልይ፡

“ጐይታ የሱሰ ክርስቶስ ሎሚ  ናባኻ  መጺአ  ኣሎኹ ። ንስኻ  መድሓንየይ  ከምዛኾንካ ይኣምን ኣሎኹ ።  ኩለ ሓጢኣተይ ይቕረ በለለይ።  ካብ ሕጂ ንደሓር ሓጢኣት ከይሰርሕ ሓልወኒ፣ ንህይወተይ ብቓልካ ኣዕብያ። ንዘልኣለማዊ መንግስትኻ ብቑዕ ግበረኒ፣ ኣሜን።” እምበኣርሲ፡ ድሕር’ዚ ክትገብሮ  ዘሎካ፦ ምስ  ናይ እግዘኣብሄር ሰባት ተዘራረብ ፡ መጽሓፍ  ቅደስ  ባዕልኻ  ኣንብብ ፡ በብዕለት ጸልይ።

ንተወሳኺ ትምህርቲ ምድሓን ብኢመይሌካ ክትረክብ ብኣድራሻና ጽሓፈልና ክንሰደልካ/ኪ ኢና።

ናይ እግዚኣብሄር ጉስነት

ንጉስ ዳዊት ካብ ጉስነት ናብ ንግስነት ዝተሰጋገረ ሰብ እዩ ዝነበረ። ናብራ ጉስነት ጽቡቕ ጌሩ ስለዘስተማቐሮ ድማ ብዛዕባ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሓልዮት፡ ለውሃት፡ መሪሕነት፡ ፍቕሪ . . . ወዘተ ብጉስነት እግዚኣብሄር ከምዚ ክብል ዝገለጾ።

“እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፡

ዝጐድለኒ የብለይን።

ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፡

ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ።

ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፡

ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመንገዲ ጽድቂ ይመርሕኒ።

በትርኻን ምርኩስካን የጸናኒዕኒ እዩ፡

  ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፡lord-is-my-shepherd

       ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተኸድኩ፡

    ክፉእ ኣይፈርህን እየ።

       ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መኣዲ ትሰርዓለይ፡

     ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፡

        ጽውኤይ ይጅርብብ ኣሎ።

ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብኵሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን

    ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘልኣለም ክነብር እየ።”

መዝሙር ዳዊት  23

እስከ ነዛ ግጥሚ ሓደ ብሓደ ክገልጻ ክፍትን

እዛ ግጥሚ ናይ ዳዊት መዝሙር ጓስኡ መን ምዃኑ ብምግላጽ እዩ ዝጅምር። በጊዕ ቅድሚ ናብ መሮር ምኻዳ ምስ መን ትኸይድ ከም ዘላ ክትፈልጥ ይግባእ። ንበይና ተፈልያ ካብ ጓስኣን ካብ መጓሰኣን ተፈልያ ናብ ዝኸደት ከይዳ ኣይተድምዕን እያ። ኣብዚ መዝሙር ድማ “እግዚኣብሄር ጓሳየይ እዩ” ኢሉ ምጅማሩ መንነት ጓሳ እዩ ዝሕብር ዘሎ። መን እዩ ጓሳና፧ እግዚኣብሄር’ዶ ወይስ ካልእ፧ እግዚኣብሄር እንተኾይኑ እቲ ድሕሪኡ ተጠቒሱ ዘሎ ይምልከተና እዩ። እግዚኣብሄር እንተዘይኮይኑ ግና ሕጂ እግዚኣብሄር ጓሳና ንግበሮ። ነቶም እግዚኣብሄር ዝጓስዮም ሰባት ግና ጉስነት እግዚኣብሄር ከስተማቕርዎ ይኽእሉ እዮም። ንጉስ ዳዊት`ውን ንጉስነት እግዚኣብሄር በቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ቃላት ተጠቒሙ ክገልጾ ይፍትን። እታ ቀዳመይቲ ሓሳብ ንጉስነት እግዚኣብሄር ንምግላጽ ዝተጠቕመላ ሓሳብ ድማ “ዝጐድለኒ የብለይን” ዝብል እዩ። እግዚኣብሄር ጓሳና ምስ ዝኸውን ዘድልየና ዘበለ ስለዝመልኣልና ኣብ ህይወትና ጎደሎ የለን። ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ ኣብ ህይወት ዘድልየና ሰላም፡ ዕረፍቲ፡ ቅሳነት . . . ወዘተ ካብ እግዚኣብሄር ስለ እንረኽቦ እዩ። ነዚ ናይ እግዚኣብሄር በረኸት ንገዛእ ርእሱ ከም በጊዕ ብምሕሳብ ብኸምዚ ይገልጾ “ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፡ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ።” ቀጺሉ`ውን ናይ እግዚኣብሄር በረኸት ኣብ ህይወቱ ዘምጽኦ ጽልዋ “ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፡ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመንገዲ ጽድቂ ይመርሕኒ።” ብምባል እዩ ዝገልጽ። ነፍስና ብህድኣት ክንነብርን እግዚኣብሄር ብመንገዲ ጽድቂ ክመርሓናን እንተደሊና ኣብ ጉስነት እግዚኣብሄር ክንኣቱ ይግብኣና። ናይ እግዚኣብሄር ጉስነት ግና ካልእ ዓቢ ጥቕሚ ኣለዎ። ንሱ ድማ ህላውነት እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ። እግዚኣብሄር “ኣብ ምድሪ ሽግር፡ መከራ፡ ጸገም ዘይብሉ ህይወት ክትመርሑ ኢኹም” ኢሉ ተስፋ ኣይሃበናን። እንተኾነ ግና ኣብ ጉስነት እግዚኣብሄር እንተ ኣለና ኣምላኽ ምሳና ኣሎ`ሞ ንዘጋጠመና ሽግር፡ ጸበባ ክንብድሆ ንኽእል። ብዛዕባ`ዚ ድማ እዩ ዘማሪ ንጉስ ዳዊት “በትርኻን ምርኩስካን የጸናኒዕኒ እዩ፡ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፡ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተኸድኩ፡ ክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መኣዲ ትሰርዓለይ፡ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፡ ጽውኤይ ይጅርብብ ኣሎ።”  ዝበለ። ብርግጽ ጉስነት እግዚኣብሄር ዋላ`ኳ ኩሉ ግዜ ምሳና እንተሃለወ፥ ናይ ብሓቂ እግዚኣብሄር ምሳና ከም ዘሎ እነስተውዕሎ ግና ኣብቲ ናይ ሽግርን ጸበባን ግዜ እግዚኣብሄር ምሳና ኮይኑ ከሳግረና ከሎ እዩ። ስለዚ “እንታይ ኣጋጢሙ፧ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለኹ፧” ዝብሉ ሕቶታት ዋጋ ዘለዎም ኣይኮኑን። ኣብ ክንድኡ “መን`ዩ ጓሳየይ፧ ኣምላኽ ምሳይ ኣሎ`ዶ፧ ብመገዲ ጽድቂ`ዶ ይኸይድ ኣለኹ፧” ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ህይወትና ኣገደስቲ ይኾኑ። ምኽንያቱ መምዘኒ ዕዉት ህይወት ህላውነት ኣምላኽን ጉስነቱን ደኣ እምበር ምድራዊ ነገር ኣይኮነን። እዚ ሓቂ እንተበሪህልና እንተነቢርናሉን ብሳህልን ምሕረትን እግዚኣብሄር ኣብ ቤቱ ንዘልኣለም ክንነብር ኢና።

 

ዕረፍቲ ካብ ኣምላኽ

“ብመዓልቲ ጸበባ ድማ ጸውዓኒ ፡ ኣነ ኸናግፈካ እየ ፡ ንስኻ’ውን ከተኽብረኒ ኢኻ ።” /መዝ 50፡15/

9043044     ዘለናዮ ዘመን ጸበባ ዝበዝሖ ዘመን እዩ ፡ ሰብ ከኣ ዕረፍቲ እንተረኸብኩ ኢሉ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ። ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብዙሕ ይጉዓዝ ኣሎ ፡ ግናኸ  ዕረፍቲ ክረክብ ፍጹም ኣይከኣለን ፡ ድሌት ሰብ ደረት ተሳኢንዎ ኣሎ ። ቅንያቱ እንተ ኣስተውዒልናዩ ክፉእ ቅንያት እዩ ። ሰይጣን ንሰባት ዕረፍቲ ክትረኽቡ ከምዚ ግበሩ እናበለ ፡ ብዙሕ ዘዐሽወሉ ጊዜ እዩ ። የግዳስ ፡ እግዚኣብሄር ኣብዚ ክፉእ ጊዜ “ጸውዓኒ” ይብለና ኣሎ፡ ብሓቂ ስም እግዚኣብሄር ዝጽውዕ ዘበለ ኪድሕን እዩ ። እቲ ምስጢር ዕረፍቲ ኣብ ‘ምጽዋዕ’ እዩ ዘሎ  ።  ‘ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ ፡ ንሱ ኺድግፈካ እዩ ።” /መዝ55፡22/ ። ብሓቂ ፡ እቲ ዕረፍቲ-ህይወት መንዩ እንተበልና ፡ ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ እዩ ። ቀዳማይ ናይ ህይወትና የሱስ እንተኾይኑ ፡ ብኻልእ ዕጉባት ክንከውን ኢና ፡ ንህይወትና ዕረፍቲ-ሰላም ዝኾና የሱስ እዩ ፡ ‘ኣቱም ኩልኹም እትጽዕሩ ጾር ዝኸበደኩምን ፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ ። ኣነ ለዋህ እየ ፡ ልበይን ትሑት ፡ ኣርዑተይ ፈኩሽ ፡ ጾረይ’ውን ቀሊል እዩ እሞ ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሃሩ ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።’/ማቴ11፡28/ ። ስለዚ ሎሚ ፡ ዕረፍቲ እትደልዩ፡ ነዚ ጎይታና የሱስ ናብ ልብኹም ጸውዕዎ ፡ ንሱ ይግዝኣና ፡ ንሱ ይምለኸና ፡ ንሱ ዝበሎ ይኹነላና ። ከምዚ ኢልና ድማ ንጸሊ ፡ “ዎ ጎይታ የሱስ ናብ ልበይ ይጽውዓካ ኣለኹ ፡ ርድኣኒ ። የሱስ ፡ ዕዳ ሓጢኣተይ ኣብ መስቀል ከፊልካለይ ኢኻ እሞ ፡ ይቕበለካ ኣለኹ ። ተሪፉ ዘሎ ህይወተይ ፡ ዘመነይ ኩሉ ንስኻ ምርሓኒ ፡ ከም ፍቓድካ ክመላለስ ፡ ደግፈኒ ። ስለ ኹሉ ክብሪ ምስጋና ንኣኻ ይኹን ። ኣሜን ።”  –//–

ናብ ብርሃን ንቕረብ!

‘ኣቱም ቤት ያእቆብ ፡ ንዑ ኾታ ብብርሃን እግዚኣብሄር ንመላለስ ።’ ኢሰ 2፡5

      መገዲ እግዚኣብሄር ብርሃን እዩ ፡ ጸልማት የብሉን ። እዚ መገዲ ወይ ጎደና ብርሃን እግዚኣብሄር ስለ ዝመልኦ ጸልማት የብሉን ። እዚ ብርሃን ንህይወት ሰብ ዕረፍትን ሰላምን ይህብ ፡ ብሓቂ ብብርሃን እግዚኣብሄር ንመላለስ እንተኾይ1431621751ንና ፡ ነፍስና ዕረፍቲ ክትመልእ ግድንዩ ፡ ምኽንያቱ እዚ ብርሃን እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ ። ዓለም ጸልማት እያ ፡ እዚ ብርሃን እንተዘይረኺብና ናበይ ከም እንኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና ። እግዚኣብሄር ብርሃን እዩ ፡ ኣብኡ ከኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከም ዘየልቦ ፡ ንፍለጥ ። /1ዮሃ1፡5/ ። ስለዚ ብርሃን ክንረክብ ናብ ጎይታ ክንመጽእ ኣሎና ፡ የሱስ ክርስቶስ “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ” ኢሉ ። የሱስ ብርሃን ህይወት እዩ ። ብዘይ ብእኡ ህይወት ጸልማትን ትርጉም ዘይብላን እያ ።

     ዘማሪ ዳዊት ‘ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኸለይ ፡ ንሰን ይምርሓኒ’ ኢሉ ። ብርሃን እግዚኣብሄር ብጸሎት ይርከብ ፡ ጸላይ ሰብ ገለ ብርሃን እግዚኣብሄር ከይረኸበ ኣይምለስን ። ብተወሳኺ ፡ ቃል እግዚኣብሄር ንመገድና ብርሃን ብምኳኑ ፡ ብሓቂ ብምጽብባይ ንቃል ኣምላኽ ከነንብብ ከሎና ንህይወትና ብርሃንን ሓቅን ንረክብ ኢና ፡ “እዘን ዝነግረኩም ዘለኹ ቃላት መንፈስ  እየን ህይወትውን ኣለወን”፡ ናይ ጎይታ ቃል ህይወት እዩ ፡ ብርሃን ህይወት እዩ ። እምበኣርሲ ናብዚ መገዲ ብርሃን ኣዚኻ ቕረብ ።