ናብ ብርሃን ንቕረብ!

‘ኣቱም ቤት ያእቆብ ፡ ንዑ ኾታ ብብርሃን እግዚኣብሄር ንመላለስ ።’ ኢሰ 2፡5

      መገዲ እግዚኣብሄር ብርሃን እዩ ፡ ጸልማት የብሉን ። እዚ መገዲ ወይ ጎደና ብርሃን እግዚኣብሄር ስለ ዝመልኦ ጸልማት የብሉን ። እዚ ብርሃን ንህይወት ሰብ ዕረፍትን ሰላምን ይህብ ፡ ብሓቂ ብብርሃን እግዚኣብሄር ንመላለስ እንተኾይ1431621751ንና ፡ ነፍስና ዕረፍቲ ክትመልእ ግድንዩ ፡ ምኽንያቱ እዚ ብርሃን እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ ። ዓለም ጸልማት እያ ፡ እዚ ብርሃን እንተዘይረኺብና ናበይ ከም እንኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና ። እግዚኣብሄር ብርሃን እዩ ፡ ኣብኡ ከኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከም ዘየልቦ ፡ ንፍለጥ ። /1ዮሃ1፡5/ ። ስለዚ ብርሃን ክንረክብ ናብ ጎይታ ክንመጽእ ኣሎና ፡ የሱስ ክርስቶስ “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ” ኢሉ ። የሱስ ብርሃን ህይወት እዩ ። ብዘይ ብእኡ ህይወት ጸልማትን ትርጉም ዘይብላን እያ ።

     ዘማሪ ዳዊት ‘ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኸለይ ፡ ንሰን ይምርሓኒ’ ኢሉ ። ብርሃን እግዚኣብሄር ብጸሎት ይርከብ ፡ ጸላይ ሰብ ገለ ብርሃን እግዚኣብሄር ከይረኸበ ኣይምለስን ። ብተወሳኺ ፡ ቃል እግዚኣብሄር ንመገድና ብርሃን ብምኳኑ ፡ ብሓቂ ብምጽብባይ ንቃል ኣምላኽ ከነንብብ ከሎና ንህይወትና ብርሃንን ሓቅን ንረክብ ኢና ፡ “እዘን ዝነግረኩም ዘለኹ ቃላት መንፈስ  እየን ህይወትውን ኣለወን”፡ ናይ ጎይታ ቃል ህይወት እዩ ፡ ብርሃን ህይወት እዩ ። እምበኣርሲ ናብዚ መገዲ ብርሃን ኣዚኻ ቕረብ ። 

Posted in ትግርኛ.

Leave a Reply