ናይ እግዚኣብሄር ጉስነት Posted on December 3, 2015June 5, 2016 ንጉስ ዳዊት ካብ ጉስነት ናብ ንግስነት ዝተሰጋገረ ሰብ እዩ ዝነበረ። ናብራ ጉስነት ጽቡቕ ጌሩ ስለዘስተማቐሮ ድማ ብዛዕባ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሓልዮት፡ ለውሃት፡ መሪሕነት፡ ፍቕሪ . . . ወዘተ ብጉስነት እግዚኣብሄር ከምዚ ክብል ዝገለጾ። “እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፡ ዝጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፡ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፡ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመንገዲ ጽድቂ ይመርሕኒ። በትርኻን ምርኩስካን የጸናኒዕኒ እዩ፡ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፡ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተኸድኩ፡ ክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መኣዲ ትሰርዓለይ፡ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፡ ጽውኤይ ይጅርብብ ኣሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብኵሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘልኣለም ክነብር እየ።” መዝሙር ዳዊት 23 እስከ ነዛ ግጥሚ ሓደ ብሓደ ክገልጻ ክፍትን እዛ ግጥሚ ናይ ዳዊት መዝሙር ጓስኡ መን ምዃኑ ብምግላጽ እዩ ዝጅምር። በጊዕ ቅድሚ ናብ መሮር ምኻዳ ምስ መን ትኸይድ ከም ዘላ ክትፈልጥ ይግባእ። ንበይና ተፈልያ ካብ ጓስኣን ካብ መጓሰኣን ተፈልያ ናብ ዝኸደት ከይዳ ኣይተድምዕን እያ። ኣብዚ መዝሙር ድማ “እግዚኣብሄር ጓሳየይ እዩ” ኢሉ ምጅማሩ መንነት ጓሳ እዩ ዝሕብር ዘሎ። መን እዩ ጓሳና፧ እግዚኣብሄር’ዶ ወይስ ካልእ፧ እግዚኣብሄር እንተኾይኑ እቲ ድሕሪኡ ተጠቒሱ ዘሎ ይምልከተና እዩ። እግዚኣብሄር እንተዘይኮይኑ ግና ሕጂ እግዚኣብሄር ጓሳና ንግበሮ። ነቶም እግዚኣብሄር ዝጓስዮም ሰባት ግና ጉስነት እግዚኣብሄር ከስተማቕርዎ ይኽእሉ እዮም። ንጉስ ዳዊት`ውን ንጉስነት እግዚኣብሄር በቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ቃላት ተጠቒሙ ክገልጾ ይፍትን። እታ ቀዳመይቲ ሓሳብ ንጉስነት እግዚኣብሄር ንምግላጽ ዝተጠቕመላ ሓሳብ ድማ “ዝጐድለኒ የብለይን” ዝብል እዩ። እግዚኣብሄር ጓሳና ምስ ዝኸውን ዘድልየና ዘበለ ስለዝመልኣልና ኣብ ህይወትና ጎደሎ የለን። ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ ኣብ ህይወት ዘድልየና ሰላም፡ ዕረፍቲ፡ ቅሳነት . . . ወዘተ ካብ እግዚኣብሄር ስለ እንረኽቦ እዩ። ነዚ ናይ እግዚኣብሄር በረኸት ንገዛእ ርእሱ ከም በጊዕ ብምሕሳብ ብኸምዚ ይገልጾ “ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፡ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ።” ቀጺሉ`ውን ናይ እግዚኣብሄር በረኸት ኣብ ህይወቱ ዘምጽኦ ጽልዋ “ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፡ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመንገዲ ጽድቂ ይመርሕኒ።” ብምባል እዩ ዝገልጽ። ነፍስና ብህድኣት ክንነብርን እግዚኣብሄር ብመንገዲ ጽድቂ ክመርሓናን እንተደሊና ኣብ ጉስነት እግዚኣብሄር ክንኣቱ ይግብኣና። ናይ እግዚኣብሄር ጉስነት ግና ካልእ ዓቢ ጥቕሚ ኣለዎ። ንሱ ድማ ህላውነት እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ። እግዚኣብሄር “ኣብ ምድሪ ሽግር፡ መከራ፡ ጸገም ዘይብሉ ህይወት ክትመርሑ ኢኹም” ኢሉ ተስፋ ኣይሃበናን። እንተኾነ ግና ኣብ ጉስነት እግዚኣብሄር እንተ ኣለና ኣምላኽ ምሳና ኣሎ`ሞ ንዘጋጠመና ሽግር፡ ጸበባ ክንብድሆ ንኽእል። ብዛዕባ`ዚ ድማ እዩ ዘማሪ ንጉስ ዳዊት “በትርኻን ምርኩስካን የጸናኒዕኒ እዩ፡ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፡ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተኸድኩ፡ ክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መኣዲ ትሰርዓለይ፡ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፡ ጽውኤይ ይጅርብብ ኣሎ።” ዝበለ። ብርግጽ ጉስነት እግዚኣብሄር ዋላ`ኳ ኩሉ ግዜ ምሳና እንተሃለወ፥ ናይ ብሓቂ እግዚኣብሄር ምሳና ከም ዘሎ እነስተውዕሎ ግና ኣብቲ ናይ ሽግርን ጸበባን ግዜ እግዚኣብሄር ምሳና ኮይኑ ከሳግረና ከሎ እዩ። ስለዚ “እንታይ ኣጋጢሙ፧ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለኹ፧” ዝብሉ ሕቶታት ዋጋ ዘለዎም ኣይኮኑን። ኣብ ክንድኡ “መን`ዩ ጓሳየይ፧ ኣምላኽ ምሳይ ኣሎ`ዶ፧ ብመገዲ ጽድቂ`ዶ ይኸይድ ኣለኹ፧” ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ህይወትና ኣገደስቲ ይኾኑ። ምኽንያቱ መምዘኒ ዕዉት ህይወት ህላውነት ኣምላኽን ጉስነቱን ደኣ እምበር ምድራዊ ነገር ኣይኮነን። እዚ ሓቂ እንተበሪህልና እንተነቢርናሉን ብሳህልን ምሕረትን እግዚኣብሄር ኣብ ቤቱ ንዘልኣለም ክንነብር ኢና። Posted in ትግርኛ.