About

I – ኣገልግሎታት ሻሎም ዝህቦም ኣገልግሎታት፥

  • ንወንጌል ዝጠቕሙ ጽሑፋት ከም፥ መጻሕፍቲ፡ መጽሄታት፡ ትራክት . . . ወዘተ ምድላው።
  • ኣመንቲ ንምህናጽ ዝጠቕሙ ነገራት፥ ከም መጻሕፍቲ፡ መጽሄታት፡ ሶፍትዌር . . . ወዘተ ምድላው።
  • ንኣገልገልቲ፡ ኣብ ምድላው ጽሑፋት ምትሕግጋዝ።

II – መሰረተ እምነት ኣገልግሎታት ሻሎም፥

  • እተን 66 መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ (39 መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳንን 27 መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳንን) ብድርኺት መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝተጻሕፉ ንኣምን።
  • ኣምላኽ ብሰለስተ (ኣቦ፡ ወልድ፡ መንፈስ ቅዱስ) ብሓይልን ብክብርን ማዕረ ብዝኾኑ ኣካላት፡ ንዘልኣለም ይቐውምን ይግለጽን።
  • ወልድ፡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ካብ ማርያም ተወሊዱ፡ ሓጥያት ዘይብሉ ህይወት ኣብ ዓለም ነቢሩ፡ ደቂ-ሰባት ንምድሓን ኣብ መስቀል ሞይቱ፡ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ተንሲኡ፡ ኣብ የማን ኣቦ ተቐሚጡ። ኣብ መወዳእታ እዋን፡ ኩሉ ፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ክፍጸምን ንዓለም ክፈርድን፡ ናብ ዓለም ከም ዝምለስ ንኣምን።
  • ኣብ መወዳእታ ዓለም፡ ቅዱሳን ናብ ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ፡ ሓጥኣን ድማ ናብ ገሃንመ-እሳት ከም ዝኣትዉ ንኣምን።
  • እቲ እንኮ መንገዲ ናብ ኣምላኽ፡ የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ንኣምን።