God’s Love

        Who can define and express love? When you live as a human the most important is not food, not shelter….but love. Everybody wants to be loved. Anyone who assumes that he is not loved by others, lives in despair or commits suicide, because he has no hope. But we are hopeful because we are loved!
            The Bible says ” Very rarely will anyone die for a righteous man, though for a good man someone might possibly dare to die. But God demonstrates His own love for us in this while we were still sinners, Christ died for us.” (Romans 5:7-8). What we God-loveunderstand from the above verse is that, God loves us! His love is eternal because He loved us when we were sinners (He loved us unconditionally).
           What is our response for this love? God wants us to receive Jesus Christ as our personal savior so that we will be saved from eternal damnation. This is a gift for us just because He loved us.
            How about us, can we love our enemies, just like the Christ loved us while we were sinners? The Bible states: ” God has poured out His love into our hearts by the Holy-Spirit, whom He gave us.” (Romans 5:5) Therefore there is a poured love upon us which is Gift from God. Have we accepted this gift? If we have accepted this, we can love our enemies !!!

ምእንቲ ቅዱሳን ኣሕዋትናን ገዛእ ርእስናን እንታይ ኢልና ንጽሊ፧

             ጸሎት ምስ ኣምላኽ ምዝርራብ እዩ ብምባል ብዙሓት መማህራን መጽሓፍ-ቅዱስ ዝሰማምዕሉ ነጥቢ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እነንብብ ድማ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና፡ ሃገር፡ መራሕቲ፡ ቤተክርስትያን፡ ፈተውትና፡ ስድራቤትና . . . . ኮታስ ስለ ኹሉ ነገር ክንጽሊ ከምዝግባእ ይምህረና። እምበኣር ንሕጂ ስለ ኣመንቲ ኣሕዋት እንታይ ኢልና ክንጽሊ ከምዝግባእ ካብ ቃል ኣምላኽ ንርአ።

           ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መልእኽታቱ ስለ እቶም ኣመንቲ ማሕበራት ይጽሊ ከም ዝነበረ ይገልጽ እዩ። ኣብ መልእኽታቱ ድማ ንሰብ ኤፌሶን፡ ፊሊጲን ቆሎሴን ድማ እንታይ ኢሉ ይጽሊ ከም ዝነበረ ይሕብር። እተን ዝጽልየን ዝነበረ ድማ ኣብ ኤፌ 1: 17 -21፥  ኤፌ 3: 14-19፥  ፊሊ 1: 9-11፥ ቈሎ 1: 9-12 ተጠቒሰን ኣለዋ። እተን ቀንዲ ነጥብታት ድማ ኣብዘን ዝስዕባ የተኩር፥pray

  1. ክወሃቦም ዝግባእ

  2. ክፈልጥዎ ዝግባእ

  3. ከስተውዕልዎ ዝግባእ

  4. ክመልእዎ ዝግባእ

  5. ክኾንዎ ዝግባእ

          ሃዋርያ ጳውሎስ ናብዘን ነጥብታት ኣተኲሩ ዝጸለየሉ ምኽንያት ኣገዳስነተን ስለ ዝፈለጠ እዩ። ንሕና’ውን ኣሰር ሃዋርያት ስዒብና ምእንቲ ኣመንቲ ኣሕዋትና፡ ስለ ማሕበራት ኣምላኽን በዘን ነጥብታት ክንጽሊ ይግባእ።

         መሰረት መንፈሳዊ ዕቤት፡ እቲ ኣምላኽ ዝህበና ነገራት እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ’ውን ኣብ ጸሎቱ ንኣምላኽ “ምእንቲ ክህበኩም” እናበለ ዝጽሊ ዝነበረ፡ ምንጪ መንፈሳዊ ዕቤት ብኣምላኽ እምበር ብሰብ ከምዘይኮነ ስለ ዝፈለጠ እዩ። እቲ ምእንቲ ክወሃቦም ዝጽልዮ ዝነበረ ጸሎት ድማ እዚ ዝስዕብ እዩ፥

  1. ኣምላኽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቦ ኽብሪ ብፍልጠቱ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላጽን ምእንቲ ኺህበኩም (ኤፌ 1:17)

  2. ብመንፈሱ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ብሓይሊ ምእንቲ ክትብርትዑ፡ ከምቲ ሃብቲ ኽብሩ ኺህበኩም (ኤፌ 3:16)

  3. በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዂሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም (ቈሎ 1:9)

          ሃዋርያ ጳውሎስ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ነጥብታት ካብ ኣምላኽ ክወሃቦም ዝጸለየሉ ምኽንያት ንሱ’ውን ባዕሉ ክህቦም ዘይክእል ብምዃኑ፡ እንተኾነ ግና ካብ ኣምላኽ ክወሃቦም ከምዝኽእል ብምእማን እዩ። ልክዕ ከምኡ ድማ ሎሚ ንሕና ስለቅዱሳን ኣሕዋትናን ገዛእ ርእስናን ካብ ኣምላኽ እዘን ነጥብታት ክወሃባ ንጸሊ። በዚ ድማ ክርስቶስ ኣብ ልብናን ኣብ ልቢ ቅዱሳን ኣሕዋትናን ክሓድር እዩ።

         ካባና ዝድለ እቲ ቀዳማይ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣብ መንፈሳዊ ዕቤት ፍልጠት እዩ። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ “ . . . . ክትፈልጡ እጽልየልኩም ኣለኹ” እናበለ ዝጸሓፈ። ገለ ካብቲ ክፈልጥዎ ዝድለ ድማ፥

  1. ኣዒንቲ ልብኹም በሪሁ፡ ተስፋ ጽዋዓኡ (ጽውዓ ኣምላኽ) እንታይ ምዃኑ (ኤፌ 1:18)

  2. ሃብቲ ርስቲ ክብሩ ኣብ ቅዱሳን’ውን እንታይ ምዃኑ (ኤፌ 1:18)

  3. ነቲ ሕልፊ ዘለዎ ዓብዪ ሓይሊ ኣባና እንኣምን ዘሎና ኸም ስልጣን ሓይሉ ኣብ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ እንታይ ምዃኑ (ኤፌ 1: 19-21)

  4. ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ (ኤፌ 3:19)

            እሞ’ኸ ንሕና እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ኣርባዕተ ነጥብታት ንፈልጠን’ዶ፧ እንተዘይፈሊጥናየን ስለገዛእ ርእስና’ውን ኣምላኽ ፍልጠት ምእንቲ ክህበና ክንጽሊ ይግባእ። ከምቲ ንዓና ፍልጠት ዘድልየና ከምኡ’ውን ንቅዱሳን ኣሕዋትና ኣምላኽ ከፍልጦም ክንጽሊ ይግብኣና። እቲ ዝበለጸ መምህር መንፈስ-ቅዱስ እዩ’ሞ መንፈስ-ቅዱስ ከፍልጠና እዩ።

            እታ ሳልሰይቲ ነጥቢ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጽለያ ድማ ምእንቲ ከስተውዕሉ እዩ። ኩልና ሰባት ዋላ’ውን ብዝተፈላለየ መገዲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ሰኣን ምስትውዓል ክንጥቀመሉ ኣይንኽእልን። ስለዚ ነቲ ንፈልጦ ከነስተውዕለሉ ይግባእ። እቲ ምስትውዓል ዘድልዮ ነጥቢ ድማ “ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን፡ ምስ ኩሎም ቅዱሳን ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቊመቱን እንታይ ምዃኑ”   ኤፌ 3: 17-18 ብምባል ገሊጹዎ ኣሎ። ስለዚ ብዛዕባ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝሰረቱ ፍቕሪ ኣሕዋት ምስትውዓል ኣምላኽ ክህበና ስለ ገዛእ ርእስናን ስለ ቅዱሳን ኣሕዋትናን ክንጽሊ ይግባእ።

            ድሕሪ ፍልጠትን ምስትውዓልን ድማ ምምላእ ይመጽእ። ውሽጥና እንታይ መሊኡ ኣሎ፧ ሰባት ብዝተፈላለዩ ነገራት ዝተመልኡ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ጸሎቱ ግና ብዛዕባ ምልኣት ከምዚ ኢሉ ጸለየ፥

  1. ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ፍረ ጽድቂ ኽመልኡ (ፊሊ 1: 9-11)

  2. ክሳዕ ኩሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽመልኡ (ኤፌ 3:19)

             እሞ ንሕና’ኸ እንታይ መሊእና እሎና፧ ፍረ ጽድቂ’ዶ ወይስ ካልእ፧ እምበኣር ስለገዛእ ርእስናን ስለ ቅዱሳን ኣሕዋትናን ብየሱስ ክርስቶስ ፍረ ጽድቂ ክሳዕ ኩሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ክንመልእ ክንጽሊ ይግባእ።

          ኣብ መወዳእታ ግን ከኣ ኣዚዩ ኣገዳሲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸለዮ ድማ ብዛዕባ እቲ ክኾንዎ ዝግባእ እዩ። ኣምላኽ ብዝሃበና ጸጋን ሓይልን፡ ኣባና መሊኡ ብዘሎ ፍልጠትን ምስትውዓልን ተደጊፍና ከምቲ ኣምላኽ ክንኮኖ ዝደሊ እንተዘይኮንና ከንቱ እዩ። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ክኾንዎ ዝግብኦም ከምዚ ኢሉ ዝጸለየ፥

  1. ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኮኑ (ፊሊ 1: 9-11)

  2. እቲ ዝሓይሽ ክትምርምሩ (ፊሊ 1: 9-11)

  3. እቲ ፍቕርኹም’ውን ብፍልጠትን ብምስትውዓል ዘበለ ዂሉን ኣዚዩ እናበዝሐ ክኸይድ (ፊሊ 1: 9-11)

  4. ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዂሉ፡ ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓቤኹምን ብዂሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ (ቈሎ 1:10)

  5. ንእኡ (ንእግዚኣብሄር) ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ (ቈሎ 1:10)

  6. ብሓጐስ ብጽንዓት ዘበለ ዂሉ፡ ንብዘሎ ትዕግስትን ዓቕልን ብሓይሊ ክብሩ ክትብርትዑ (ቈሎ 1:11)

  7. ነቲ ናብ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ናብ ብርሃን ዘብቅዓና ኣቦ ከተመስግኑ (ቈሎ 1:12)

            እሞ ንሕና’ኸ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ነጥብታት ኣብ ህይወትና ኣለዋ’ዶ፧ ስለ ገዛእ ርእስና ጥራይ ዘይኮነስ ስለ ቅዱሳን ኣሕዋትና’ውን ኣብ ህይወቶም ምእንቲ ክህልዋ ክንጽሊ ይግባእ።

           ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝነበሩ ማሕበራት ዝጸለዮ ጸሎት፡ ንሕና’ውን ከምኡ ክንጽሊ ይግባእ። ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዩ ኣብ ሓሙሽተ ነጥብታት ዘተኮረ ጸሎት ጸለየ። ንሕና’ውን ከየባተኽና ምእንቲ ቅዱሳን ኣሕዋት ንጸሊ።

The Lord is My Shepherd

Explanation of Psalms 23
– “The Lord is my shepherd.” In these words, the believer is taught to express his satisfaction in the care of the great Pastor of the universe, the Redeemer and Preserver of men. With joy he reflects that he has a shepherd, and that shepherd is Jehovah. A flock of sheep, gentle and harmless, feeding in verdant pastures, under the care of a skillful, watchful, and tender shepherd, forms an emblem of believers brought back to the Shepherd of their souls. The greatest abundance is but a dry pasture to a wicked man, who relishes in it only what pleases the senses; but to a godly man, who by faith tastes the goodness of God in all his enjoyments, though he has but little of the world, it is a green pasture. The Lord gives quiet and contentment in the mind, whatever the lot is. Are we blessed with the green pastures of the ordinances, let us not think it enough to pass through them, but let us abide in them. The consolations of the Holy Spirit are the still waters by which the saints are led; the streams which flow from the Fountain of living waters. Those only are led by the still waters of comfort, who walk in the paths of righteousness. the lord is my shepherdThe way of duty is the truly pleasant way. The work of righteousness in peace. In these paths we cannot walk, unless God lead us into them, and lead us on in them. Discontent and distrust proceed from unbelief; an unsteady walk is the consequence: let us then simply trust our Shepherd’s care, and hearken to his voice. The valley of the shadow of death may denote the most severe and terrible affliction, or dark dispensation of providence, that the psalmist ever could come under. Between the part of the flock on earth and that which is gone to heaven, death lies like a dark valley that must be passed in going from one to the other. But even in this there are words which lessen the terror. It is but the shadow of death: the shadow of a serpent will not sting, nor the shadow of a sword kill. It is a valley, deep indeed, and dark, and miry; but valleys are often fruitful, and so is death itself fruitful of comforts to God’s people. It is a walk through it: they shall not be lost in this valley, but get safe to the mountain on the other side. Death is a king of terrors, but not to the sheep of Christ. When they come to die, God will rebuke the enemy; he will guide them with his rod, and sustain them with his staff. There is enough in the gospel to comfort the saints when dying, and underneath them are the everlasting arms. The Lord’s people feast at his table, upon the provisions of his love. Satan and wicked men are not able to destroy their comforts, while they are anointed with the Holy Spirit, and drink of the cup of salvation which is ever full. Past experience teaches believers to trust that the goodness and mercy of God will follow them all the days of their lives, and it is their desire and determination, to seek their happiness in the service of God here, and they hope to enjoy his love for ever in heaven. While here, the Lord can make any situation pleasant, by the anointing of his Spirit and the joys of his salvation. But those that would be satisfied with the blessings of his house, must keep close to the duties of it.
Source: Matthew Henry’s Concise Commentary

Supernatural Signs and Wonders Break Out Among 1,000 Jews

Amidst numerous reports of racial conflict, terrorist attacks, and religious tension, there is something tangible in the air in Israel. It’s not the smell of gun powder or the resonating sound of sirens—but the supernatural presence of God.  shalom jews
Unfortunately, the secular news outlets have not captured the magnitude of what I recently witnessed in Israel.
For the first time in nearly 2,000 years, something miraculous took place during my recent trip to Israel: 1,000 unsaved Jewish people gathered in Tel Aviv to hear the gospel of Jesus Christ.

Read More …

Supernatural Dreams are Opening Doors for Jesus in IRAN

As ISIS conquered parts of northern Iraq and persecuted Christian minorities, the Gospel actually began to spread.
“Besides the darkness coming in, trying to get the salt and light out—killing lives and bringing so much pain and suffering—on the other hand, we’re siran salvationeeing the rise of the presence of God, worship, prayer, experiencing Jesus and people being open to the Gospel and being open to follow Him, even from Muslim background,” one man named Fabian, who asked that his full name not be disclosed, told CBN News.
Read More…

ምእንቲ ናይ ዘልኣለም ምድሓን ክረክብ፡ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ ?

ናይ ዘልኣለም  ህይወት ክትረክብ እንታይ ክትገብር -ክትገብሪ- ከምዛግብኣካ ትፈልጥዶ?  ክቡር ሓወይ፡ ክብርቲ ሓፍተይ ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎ ፣ ሞይትካ ብእኡ ጌርካ ትጠፍእ ማለት ኣይኮነን ። ኣምሊኽሲ ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ ከጥፍኦ ኢሉ ኣይፈጠሮን እሞ ። ድሕሪ ሞት ህይወት ብርግጽ ኣሎ። እምበኣርሲ ነዘ ትስዕብ ሓጻር መልእኽቲ ብምንባብ ናይዘልኣለም ህይወት ክትረኽቡ ክshalom heavenሕግዘኩም እዩ። የሱስ የፍቅረካ እዩ!! የሱስ የፍቅረኪ እዩ!!  እግዘኣብሄር ፍቕሪ እዩ።  ስለዝኾነ ከኣ ንዓኻ ንዓኺ የፍቅረካ እዩ፣  የፍቅረካ ስለዝኾነ ዘልኣለማዊ ህይወት  ክህበካ ይደሊ፣ እዚ ዘልኣለማዊ ህይወት  ክትቅበል ግን ካባኻ  ዝደልዮ  ነገር ኣሎ። ንሱ ኸኣ ፡

*‘ኩልም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ’ውን ስኢኖም’ ይብለና እዩ እሞ። ሓጢኣተኛ ምዃንካ እመን ። ተነሳሕ ከኣ፣ ንእሽቶይ ሓጢኣት ዝበሃል የሎን። ኩለ ሓጢኣት እዩ። ሓሶት፡ሕሜት፡ ምንዛር፡ ስርቂ፡  ዘይናትካ  ምትምናይ ኩለ ሓጢኣት እዩ። መጽሓፍ ቅደስ  “ዒስቢ ሓጢኣት ሞት’ዩ” ይብለና።  እዘ ማለት ከኣ ካብ እግዘኣብሄር ተፈሊኻ ኣብ ገሃንም- እሳት ንዘልኣለም ክትድርበ  ማለት እዩ። ንጐይታና የሱስ እመን እሞ፡ ንስኻን ቤትካን ክትድሕን ኢኻ፣  ጐይታና የሱስ ኣብ  ቃሉ ከም’ዚ ኢሉ  “ትንሳኤን  ህይወትን ኣነ እየ፣ እቲ ብኣይ ዝኣመነስ እንተ ሞተ እኳ ብህይወት  ኪነብር እዩ።” (ዮሃ11።25)፣  እምበኣርሲ ዴሕሪ ሞት ትንሳኤን  ህይወትን  ክኾለልካ ነዚ ቃል የሱስ ክትኣምኖ ይግብኣካ፣ ኣሚንካ ኸኣ  ክትስዕቦ ይግብኣካ፣  እታ ዝበለጸት መዓልቲ ኣብ ህይወትካ። ንጐይታ የሱስ ዝረኸብካላ መዓልቲ ምዃና ኣስተውዕል፣ ሕጂ ብልብኻ ንየሱስ ብጸሎት ተቐበል ። ንሱ ኣብ መስቀል ዕዳ ሓጢኣትካ ከም ዝኸፈለልካ እመን፣ ደጊም ከም ቃሉ ተመላለስ። ከም ቀደምካ ብእተራእየካ ኣይትመላለስ፣ *መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ካብ ሎሚ  ጀምር፣ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ሰባት እንተለዉ፡ ምስኣቶም ተዘራረብ፣ *የሱስ ከምዚ ይብል።  “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዝስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር ። ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ።” (ዮሃ 8፡12) ፣ * “መንገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እይ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዝመጽእ የሌቦን፣”(ዮሃ 14፡6)፣ * “እቲ ደገ ኣነ እየ ፣ ብኣይ ዝኣቱ ኺድሕን ።  ኪኣቱን ኪወጽእን  መጓሰዩ’ውን  ኪረክብ  እዩ፣” (ዮሃ 10፡9)፣ * “ብእኡ ኽንድሕነሉ ዘግባእ ካልእ  ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ። ምድሓን  ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን፣”  (ግብ 4፡12)፣ * የሱስ ክርስቶስ ከዴሕነካ እዩ። ናይ ዘልኣለም ህይወት ክህበካ እዩ፣ ንሱ ሓቀኛ ሰላምን ደስታን ኣብ ውሽጥኻ ከውሕዝ እዩ፣ ንየሱስ ስዓብ። ሓጢኣት ምግባር ደው ኣብል፣ ሕጂ ከም’ዚ ኢልካ ጸልይ፡

“ጐይታ የሱሰ ክርስቶስ ሎሚ  ናባኻ  መጺአ  ኣሎኹ ። ንስኻ  መድሓንየይ  ከምዛኾንካ ይኣምን ኣሎኹ ።  ኩለ ሓጢኣተይ ይቕረ በለለይ።  ካብ ሕጂ ንደሓር ሓጢኣት ከይሰርሕ ሓልወኒ፣ ንህይወተይ ብቓልካ ኣዕብያ። ንዘልኣለማዊ መንግስትኻ ብቑዕ ግበረኒ፣ ኣሜን።” እምበኣርሲ፡ ድሕር’ዚ ክትገብሮ  ዘሎካ፦ ምስ  ናይ እግዘኣብሄር ሰባት ተዘራረብ ፡ መጽሓፍ  ቅደስ  ባዕልኻ  ኣንብብ ፡ በብዕለት ጸልይ።

ንተወሳኺ ትምህርቲ ምድሓን ብኢመይሌካ ክትረክብ ብኣድራሻና ጽሓፈልና ክንሰደልካ/ኪ ኢና።

ናይ እግዚኣብሄር ጉስነት

ንጉስ ዳዊት ካብ ጉስነት ናብ ንግስነት ዝተሰጋገረ ሰብ እዩ ዝነበረ። ናብራ ጉስነት ጽቡቕ ጌሩ ስለዘስተማቐሮ ድማ ብዛዕባ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሓልዮት፡ ለውሃት፡ መሪሕነት፡ ፍቕሪ . . . ወዘተ ብጉስነት እግዚኣብሄር ከምዚ ክብል ዝገለጾ።

“እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፡

ዝጐድለኒ የብለይን።

ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፡

ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ።

ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፡

ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመንገዲ ጽድቂ ይመርሕኒ።

በትርኻን ምርኩስካን የጸናኒዕኒ እዩ፡

  ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፡lord-is-my-shepherd

       ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተኸድኩ፡

    ክፉእ ኣይፈርህን እየ።

       ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መኣዲ ትሰርዓለይ፡

     ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፡

        ጽውኤይ ይጅርብብ ኣሎ።

ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብኵሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን

    ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘልኣለም ክነብር እየ።”

መዝሙር ዳዊት  23

እስከ ነዛ ግጥሚ ሓደ ብሓደ ክገልጻ ክፍትን

እዛ ግጥሚ ናይ ዳዊት መዝሙር ጓስኡ መን ምዃኑ ብምግላጽ እዩ ዝጅምር። በጊዕ ቅድሚ ናብ መሮር ምኻዳ ምስ መን ትኸይድ ከም ዘላ ክትፈልጥ ይግባእ። ንበይና ተፈልያ ካብ ጓስኣን ካብ መጓሰኣን ተፈልያ ናብ ዝኸደት ከይዳ ኣይተድምዕን እያ። ኣብዚ መዝሙር ድማ “እግዚኣብሄር ጓሳየይ እዩ” ኢሉ ምጅማሩ መንነት ጓሳ እዩ ዝሕብር ዘሎ። መን እዩ ጓሳና፧ እግዚኣብሄር’ዶ ወይስ ካልእ፧ እግዚኣብሄር እንተኾይኑ እቲ ድሕሪኡ ተጠቒሱ ዘሎ ይምልከተና እዩ። እግዚኣብሄር እንተዘይኮይኑ ግና ሕጂ እግዚኣብሄር ጓሳና ንግበሮ። ነቶም እግዚኣብሄር ዝጓስዮም ሰባት ግና ጉስነት እግዚኣብሄር ከስተማቕርዎ ይኽእሉ እዮም። ንጉስ ዳዊት`ውን ንጉስነት እግዚኣብሄር በቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ቃላት ተጠቒሙ ክገልጾ ይፍትን። እታ ቀዳመይቲ ሓሳብ ንጉስነት እግዚኣብሄር ንምግላጽ ዝተጠቕመላ ሓሳብ ድማ “ዝጐድለኒ የብለይን” ዝብል እዩ። እግዚኣብሄር ጓሳና ምስ ዝኸውን ዘድልየና ዘበለ ስለዝመልኣልና ኣብ ህይወትና ጎደሎ የለን። ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ ኣብ ህይወት ዘድልየና ሰላም፡ ዕረፍቲ፡ ቅሳነት . . . ወዘተ ካብ እግዚኣብሄር ስለ እንረኽቦ እዩ። ነዚ ናይ እግዚኣብሄር በረኸት ንገዛእ ርእሱ ከም በጊዕ ብምሕሳብ ብኸምዚ ይገልጾ “ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፡ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ።” ቀጺሉ`ውን ናይ እግዚኣብሄር በረኸት ኣብ ህይወቱ ዘምጽኦ ጽልዋ “ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፡ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመንገዲ ጽድቂ ይመርሕኒ።” ብምባል እዩ ዝገልጽ። ነፍስና ብህድኣት ክንነብርን እግዚኣብሄር ብመንገዲ ጽድቂ ክመርሓናን እንተደሊና ኣብ ጉስነት እግዚኣብሄር ክንኣቱ ይግብኣና። ናይ እግዚኣብሄር ጉስነት ግና ካልእ ዓቢ ጥቕሚ ኣለዎ። ንሱ ድማ ህላውነት እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ። እግዚኣብሄር “ኣብ ምድሪ ሽግር፡ መከራ፡ ጸገም ዘይብሉ ህይወት ክትመርሑ ኢኹም” ኢሉ ተስፋ ኣይሃበናን። እንተኾነ ግና ኣብ ጉስነት እግዚኣብሄር እንተ ኣለና ኣምላኽ ምሳና ኣሎ`ሞ ንዘጋጠመና ሽግር፡ ጸበባ ክንብድሆ ንኽእል። ብዛዕባ`ዚ ድማ እዩ ዘማሪ ንጉስ ዳዊት “በትርኻን ምርኩስካን የጸናኒዕኒ እዩ፡ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፡ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተኸድኩ፡ ክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መኣዲ ትሰርዓለይ፡ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፡ ጽውኤይ ይጅርብብ ኣሎ።”  ዝበለ። ብርግጽ ጉስነት እግዚኣብሄር ዋላ`ኳ ኩሉ ግዜ ምሳና እንተሃለወ፥ ናይ ብሓቂ እግዚኣብሄር ምሳና ከም ዘሎ እነስተውዕሎ ግና ኣብቲ ናይ ሽግርን ጸበባን ግዜ እግዚኣብሄር ምሳና ኮይኑ ከሳግረና ከሎ እዩ። ስለዚ “እንታይ ኣጋጢሙ፧ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለኹ፧” ዝብሉ ሕቶታት ዋጋ ዘለዎም ኣይኮኑን። ኣብ ክንድኡ “መን`ዩ ጓሳየይ፧ ኣምላኽ ምሳይ ኣሎ`ዶ፧ ብመገዲ ጽድቂ`ዶ ይኸይድ ኣለኹ፧” ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ህይወትና ኣገደስቲ ይኾኑ። ምኽንያቱ መምዘኒ ዕዉት ህይወት ህላውነት ኣምላኽን ጉስነቱን ደኣ እምበር ምድራዊ ነገር ኣይኮነን። እዚ ሓቂ እንተበሪህልና እንተነቢርናሉን ብሳህልን ምሕረትን እግዚኣብሄር ኣብ ቤቱ ንዘልኣለም ክንነብር ኢና።

 

Hands of Jesus are Extended to All of FRANCE

Islamic State’s acts of terror in Paris, which killed at least 129 innocent people Friday evening, underline not only the uncertainty of life on earth but also that it is time forjohn the people of France, “and all of us,” to heed Jesus’ offer of eternal salvation through repentance, writes theologian John Piper.
Read More …