ዕረፍቲ ካብ ኣምላኽ

“ብመዓልቲ ጸበባ ድማ ጸውዓኒ ፡ ኣነ ኸናግፈካ እየ ፡ ንስኻ’ውን ከተኽብረኒ ኢኻ ።” /መዝ 50፡15/

9043044     ዘለናዮ ዘመን ጸበባ ዝበዝሖ ዘመን እዩ ፡ ሰብ ከኣ ዕረፍቲ እንተረኸብኩ ኢሉ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ። ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብዙሕ ይጉዓዝ ኣሎ ፡ ግናኸ  ዕረፍቲ ክረክብ ፍጹም ኣይከኣለን ፡ ድሌት ሰብ ደረት ተሳኢንዎ ኣሎ ። ቅንያቱ እንተ ኣስተውዒልናዩ ክፉእ ቅንያት እዩ ። ሰይጣን ንሰባት ዕረፍቲ ክትረኽቡ ከምዚ ግበሩ እናበለ ፡ ብዙሕ ዘዐሽወሉ ጊዜ እዩ ። የግዳስ ፡ እግዚኣብሄር ኣብዚ ክፉእ ጊዜ “ጸውዓኒ” ይብለና ኣሎ፡ ብሓቂ ስም እግዚኣብሄር ዝጽውዕ ዘበለ ኪድሕን እዩ ። እቲ ምስጢር ዕረፍቲ ኣብ ‘ምጽዋዕ’ እዩ ዘሎ  ።  ‘ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ ፡ ንሱ ኺድግፈካ እዩ ።” /መዝ55፡22/ ። ብሓቂ ፡ እቲ ዕረፍቲ-ህይወት መንዩ እንተበልና ፡ ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ እዩ ። ቀዳማይ ናይ ህይወትና የሱስ እንተኾይኑ ፡ ብኻልእ ዕጉባት ክንከውን ኢና ፡ ንህይወትና ዕረፍቲ-ሰላም ዝኾና የሱስ እዩ ፡ ‘ኣቱም ኩልኹም እትጽዕሩ ጾር ዝኸበደኩምን ፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ ። ኣነ ለዋህ እየ ፡ ልበይን ትሑት ፡ ኣርዑተይ ፈኩሽ ፡ ጾረይ’ውን ቀሊል እዩ እሞ ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሃሩ ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።’/ማቴ11፡28/ ። ስለዚ ሎሚ ፡ ዕረፍቲ እትደልዩ፡ ነዚ ጎይታና የሱስ ናብ ልብኹም ጸውዕዎ ፡ ንሱ ይግዝኣና ፡ ንሱ ይምለኸና ፡ ንሱ ዝበሎ ይኹነላና ። ከምዚ ኢልና ድማ ንጸሊ ፡ “ዎ ጎይታ የሱስ ናብ ልበይ ይጽውዓካ ኣለኹ ፡ ርድኣኒ ። የሱስ ፡ ዕዳ ሓጢኣተይ ኣብ መስቀል ከፊልካለይ ኢኻ እሞ ፡ ይቕበለካ ኣለኹ ። ተሪፉ ዘሎ ህይወተይ ፡ ዘመነይ ኩሉ ንስኻ ምርሓኒ ፡ ከም ፍቓድካ ክመላለስ ፡ ደግፈኒ ። ስለ ኹሉ ክብሪ ምስጋና ንኣኻ ይኹን ። ኣሜን ።”  –//–

Posted in ትግርኛ.