ምእንቲ ናይ ዘልኣለም ምድሓን ክረክብ፡ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ ?

ናይ ዘልኣለም  ህይወት ክትረክብ እንታይ ክትገብር -ክትገብሪ- ከምዛግብኣካ ትፈልጥዶ?  ክቡር ሓወይ፡ ክብርቲ ሓፍተይ ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎ ፣ ሞይትካ ብእኡ ጌርካ ትጠፍእ ማለት ኣይኮነን ። ኣምሊኽሲ ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ ከጥፍኦ ኢሉ ኣይፈጠሮን እሞ ። ድሕሪ ሞት ህይወት ብርግጽ ኣሎ። እምበኣርሲ ነዘ ትስዕብ ሓጻር መልእኽቲ ብምንባብ ናይዘልኣለም ህይወት ክትረኽቡ ክshalom heavenሕግዘኩም እዩ። የሱስ የፍቅረካ እዩ!! የሱስ የፍቅረኪ እዩ!!  እግዘኣብሄር ፍቕሪ እዩ።  ስለዝኾነ ከኣ ንዓኻ ንዓኺ የፍቅረካ እዩ፣  የፍቅረካ ስለዝኾነ ዘልኣለማዊ ህይወት  ክህበካ ይደሊ፣ እዚ ዘልኣለማዊ ህይወት  ክትቅበል ግን ካባኻ  ዝደልዮ  ነገር ኣሎ። ንሱ ኸኣ ፡

*‘ኩልም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ’ውን ስኢኖም’ ይብለና እዩ እሞ። ሓጢኣተኛ ምዃንካ እመን ። ተነሳሕ ከኣ፣ ንእሽቶይ ሓጢኣት ዝበሃል የሎን። ኩለ ሓጢኣት እዩ። ሓሶት፡ሕሜት፡ ምንዛር፡ ስርቂ፡  ዘይናትካ  ምትምናይ ኩለ ሓጢኣት እዩ። መጽሓፍ ቅደስ  “ዒስቢ ሓጢኣት ሞት’ዩ” ይብለና።  እዘ ማለት ከኣ ካብ እግዘኣብሄር ተፈሊኻ ኣብ ገሃንም- እሳት ንዘልኣለም ክትድርበ  ማለት እዩ። ንጐይታና የሱስ እመን እሞ፡ ንስኻን ቤትካን ክትድሕን ኢኻ፣  ጐይታና የሱስ ኣብ  ቃሉ ከም’ዚ ኢሉ  “ትንሳኤን  ህይወትን ኣነ እየ፣ እቲ ብኣይ ዝኣመነስ እንተ ሞተ እኳ ብህይወት  ኪነብር እዩ።” (ዮሃ11።25)፣  እምበኣርሲ ዴሕሪ ሞት ትንሳኤን  ህይወትን  ክኾለልካ ነዚ ቃል የሱስ ክትኣምኖ ይግብኣካ፣ ኣሚንካ ኸኣ  ክትስዕቦ ይግብኣካ፣  እታ ዝበለጸት መዓልቲ ኣብ ህይወትካ። ንጐይታ የሱስ ዝረኸብካላ መዓልቲ ምዃና ኣስተውዕል፣ ሕጂ ብልብኻ ንየሱስ ብጸሎት ተቐበል ። ንሱ ኣብ መስቀል ዕዳ ሓጢኣትካ ከም ዝኸፈለልካ እመን፣ ደጊም ከም ቃሉ ተመላለስ። ከም ቀደምካ ብእተራእየካ ኣይትመላለስ፣ *መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ካብ ሎሚ  ጀምር፣ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ሰባት እንተለዉ፡ ምስኣቶም ተዘራረብ፣ *የሱስ ከምዚ ይብል።  “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዝስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር ። ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ።” (ዮሃ 8፡12) ፣ * “መንገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እይ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዝመጽእ የሌቦን፣”(ዮሃ 14፡6)፣ * “እቲ ደገ ኣነ እየ ፣ ብኣይ ዝኣቱ ኺድሕን ።  ኪኣቱን ኪወጽእን  መጓሰዩ’ውን  ኪረክብ  እዩ፣” (ዮሃ 10፡9)፣ * “ብእኡ ኽንድሕነሉ ዘግባእ ካልእ  ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ። ምድሓን  ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን፣”  (ግብ 4፡12)፣ * የሱስ ክርስቶስ ከዴሕነካ እዩ። ናይ ዘልኣለም ህይወት ክህበካ እዩ፣ ንሱ ሓቀኛ ሰላምን ደስታን ኣብ ውሽጥኻ ከውሕዝ እዩ፣ ንየሱስ ስዓብ። ሓጢኣት ምግባር ደው ኣብል፣ ሕጂ ከም’ዚ ኢልካ ጸልይ፡

“ጐይታ የሱሰ ክርስቶስ ሎሚ  ናባኻ  መጺአ  ኣሎኹ ። ንስኻ  መድሓንየይ  ከምዛኾንካ ይኣምን ኣሎኹ ።  ኩለ ሓጢኣተይ ይቕረ በለለይ።  ካብ ሕጂ ንደሓር ሓጢኣት ከይሰርሕ ሓልወኒ፣ ንህይወተይ ብቓልካ ኣዕብያ። ንዘልኣለማዊ መንግስትኻ ብቑዕ ግበረኒ፣ ኣሜን።” እምበኣርሲ፡ ድሕር’ዚ ክትገብሮ  ዘሎካ፦ ምስ  ናይ እግዘኣብሄር ሰባት ተዘራረብ ፡ መጽሓፍ  ቅደስ  ባዕልኻ  ኣንብብ ፡ በብዕለት ጸልይ።

ንተወሳኺ ትምህርቲ ምድሓን ብኢመይሌካ ክትረክብ ብኣድራሻና ጽሓፈልና ክንሰደልካ/ኪ ኢና።

Posted in ትግርኛ.