ናብ ብርሃን ንቕረብ!
መገዲ እግዚኣብሄር ብርሃን እዩ ፡ ጸልማት የብሉን ። እዚ መገዲ ወይ ጎደና ብርሃን እግዚኣብሄር ስለ ዝመልኦ ጸልማት የብሉን ። እዚ ብርሃን ንህይወት ሰብ ዕረፍትን ሰላምን ይህብ ፡ ብሓቂ ብብርሃን እግዚኣብሄር ንመላለስ እንተኾይ
Posted in ትግርኛ.
ንና ፡ ነፍስና ዕረፍቲ ክትመልእ ግድንዩ ፡ ምኽንያቱ እዚ ብርሃን እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ ። ዓለም ጸልማት እያ ፡ እዚ ብርሃን እንተዘይረኺብና ናበይ ከም እንኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና ። እግዚኣብሄር ብርሃን እዩ ፡ ኣብኡ ከኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከም ዘየልቦ ፡ ንፍለጥ ። /1ዮሃ1፡5/ ። ስለዚ ብርሃን ክንረክብ ናብ ጎይታ ክንመጽእ ኣሎና ፡ የሱስ ክርስቶስ “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ” ኢሉ ። የሱስ ብርሃን ህይወት እዩ ። ብዘይ ብእኡ ህይወት ጸልማትን ትርጉም ዘይብላን እያ ።