ጸሎት ምስ ኣምላኽ ምዝርራብ እዩ ብምባል ብዙሓት መማህራን መጽሓፍ-ቅዱስ ዝሰማምዕሉ ነጥቢ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እነንብብ ድማ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና፡ ሃገር፡ መራሕቲ፡ ቤተክርስትያን፡ ፈተውትና፡ ስድራቤትና . . . . ኮታስ ስለ ኹሉ ነገር ክንጽሊ ከምዝግባእ ይምህረና። እምበኣር ንሕጂ ስለ ኣመንቲ ኣሕዋት እንታይ ኢልና ክንጽሊ ከምዝግባእ ካብ ቃል ኣምላኽ ንርአ።
ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መልእኽታቱ ስለ እቶም ኣመንቲ ማሕበራት ይጽሊ ከም ዝነበረ ይገልጽ እዩ። ኣብ መልእኽታቱ ድማ ንሰብ ኤፌሶን፡ ፊሊጲን ቆሎሴን ድማ እንታይ ኢሉ ይጽሊ ከም ዝነበረ ይሕብር። እተን ዝጽልየን ዝነበረ ድማ ኣብ ኤፌ 1: 17 -21፥ ኤፌ 3: 14-19፥ ፊሊ 1: 9-11፥ ቈሎ 1: 9-12 ተጠቒሰን ኣለዋ። እተን ቀንዲ ነጥብታት ድማ ኣብዘን ዝስዕባ የተኩር፥
-
ክወሃቦም ዝግባእ
-
ክፈልጥዎ ዝግባእ
-
ከስተውዕልዎ ዝግባእ
-
ክመልእዎ ዝግባእ
-
ክኾንዎ ዝግባእ
ሃዋርያ ጳውሎስ ናብዘን ነጥብታት ኣተኲሩ ዝጸለየሉ ምኽንያት ኣገዳስነተን ስለ ዝፈለጠ እዩ። ንሕና’ውን ኣሰር ሃዋርያት ስዒብና ምእንቲ ኣመንቲ ኣሕዋትና፡ ስለ ማሕበራት ኣምላኽን በዘን ነጥብታት ክንጽሊ ይግባእ።
መሰረት መንፈሳዊ ዕቤት፡ እቲ ኣምላኽ ዝህበና ነገራት እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ’ውን ኣብ ጸሎቱ ንኣምላኽ “ምእንቲ ክህበኩም” እናበለ ዝጽሊ ዝነበረ፡ ምንጪ መንፈሳዊ ዕቤት ብኣምላኽ እምበር ብሰብ ከምዘይኮነ ስለ ዝፈለጠ እዩ። እቲ ምእንቲ ክወሃቦም ዝጽልዮ ዝነበረ ጸሎት ድማ እዚ ዝስዕብ እዩ፥
-
ኣምላኽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቦ ኽብሪ ብፍልጠቱ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላጽን ምእንቲ ኺህበኩም (ኤፌ 1:17)
-
ብመንፈሱ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ብሓይሊ ምእንቲ ክትብርትዑ፡ ከምቲ ሃብቲ ኽብሩ ኺህበኩም (ኤፌ 3:16)
-
በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዂሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም (ቈሎ 1:9)
ሃዋርያ ጳውሎስ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ነጥብታት ካብ ኣምላኽ ክወሃቦም ዝጸለየሉ ምኽንያት ንሱ’ውን ባዕሉ ክህቦም ዘይክእል ብምዃኑ፡ እንተኾነ ግና ካብ ኣምላኽ ክወሃቦም ከምዝኽእል ብምእማን እዩ። ልክዕ ከምኡ ድማ ሎሚ ንሕና ስለቅዱሳን ኣሕዋትናን ገዛእ ርእስናን ካብ ኣምላኽ እዘን ነጥብታት ክወሃባ ንጸሊ። በዚ ድማ ክርስቶስ ኣብ ልብናን ኣብ ልቢ ቅዱሳን ኣሕዋትናን ክሓድር እዩ።
ካባና ዝድለ እቲ ቀዳማይ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣብ መንፈሳዊ ዕቤት ፍልጠት እዩ። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ “ . . . . ክትፈልጡ እጽልየልኩም ኣለኹ” እናበለ ዝጸሓፈ። ገለ ካብቲ ክፈልጥዎ ዝድለ ድማ፥
-
ኣዒንቲ ልብኹም በሪሁ፡ ተስፋ ጽዋዓኡ (ጽውዓ ኣምላኽ) እንታይ ምዃኑ (ኤፌ 1:18)
-
ሃብቲ ርስቲ ክብሩ ኣብ ቅዱሳን’ውን እንታይ ምዃኑ (ኤፌ 1:18)
-
ነቲ ሕልፊ ዘለዎ ዓብዪ ሓይሊ ኣባና እንኣምን ዘሎና ኸም ስልጣን ሓይሉ ኣብ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ እንታይ ምዃኑ (ኤፌ 1: 19-21)
-
ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ (ኤፌ 3:19)
እሞ’ኸ ንሕና እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ኣርባዕተ ነጥብታት ንፈልጠን’ዶ፧ እንተዘይፈሊጥናየን ስለገዛእ ርእስና’ውን ኣምላኽ ፍልጠት ምእንቲ ክህበና ክንጽሊ ይግባእ። ከምቲ ንዓና ፍልጠት ዘድልየና ከምኡ’ውን ንቅዱሳን ኣሕዋትና ኣምላኽ ከፍልጦም ክንጽሊ ይግብኣና። እቲ ዝበለጸ መምህር መንፈስ-ቅዱስ እዩ’ሞ መንፈስ-ቅዱስ ከፍልጠና እዩ።
እታ ሳልሰይቲ ነጥቢ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጽለያ ድማ ምእንቲ ከስተውዕሉ እዩ። ኩልና ሰባት ዋላ’ውን ብዝተፈላለየ መገዲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ሰኣን ምስትውዓል ክንጥቀመሉ ኣይንኽእልን። ስለዚ ነቲ ንፈልጦ ከነስተውዕለሉ ይግባእ። እቲ ምስትውዓል ዘድልዮ ነጥቢ ድማ “ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን፡ ምስ ኩሎም ቅዱሳን ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቊመቱን እንታይ ምዃኑ” ኤፌ 3: 17-18 ብምባል ገሊጹዎ ኣሎ። ስለዚ ብዛዕባ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝሰረቱ ፍቕሪ ኣሕዋት ምስትውዓል ኣምላኽ ክህበና ስለ ገዛእ ርእስናን ስለ ቅዱሳን ኣሕዋትናን ክንጽሊ ይግባእ።
ድሕሪ ፍልጠትን ምስትውዓልን ድማ ምምላእ ይመጽእ። ውሽጥና እንታይ መሊኡ ኣሎ፧ ሰባት ብዝተፈላለዩ ነገራት ዝተመልኡ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ጸሎቱ ግና ብዛዕባ ምልኣት ከምዚ ኢሉ ጸለየ፥
-
ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ፍረ ጽድቂ ኽመልኡ (ፊሊ 1: 9-11)
-
ክሳዕ ኩሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽመልኡ (ኤፌ 3:19)
እሞ ንሕና’ኸ እንታይ መሊእና እሎና፧ ፍረ ጽድቂ’ዶ ወይስ ካልእ፧ እምበኣር ስለገዛእ ርእስናን ስለ ቅዱሳን ኣሕዋትናን ብየሱስ ክርስቶስ ፍረ ጽድቂ ክሳዕ ኩሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ክንመልእ ክንጽሊ ይግባእ።
ኣብ መወዳእታ ግን ከኣ ኣዚዩ ኣገዳሲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸለዮ ድማ ብዛዕባ እቲ ክኾንዎ ዝግባእ እዩ። ኣምላኽ ብዝሃበና ጸጋን ሓይልን፡ ኣባና መሊኡ ብዘሎ ፍልጠትን ምስትውዓልን ተደጊፍና ከምቲ ኣምላኽ ክንኮኖ ዝደሊ እንተዘይኮንና ከንቱ እዩ። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ክኾንዎ ዝግብኦም ከምዚ ኢሉ ዝጸለየ፥
-
ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኮኑ (ፊሊ 1: 9-11)
-
እቲ ዝሓይሽ ክትምርምሩ (ፊሊ 1: 9-11)
-
እቲ ፍቕርኹም’ውን ብፍልጠትን ብምስትውዓል ዘበለ ዂሉን ኣዚዩ እናበዝሐ ክኸይድ (ፊሊ 1: 9-11)
-
ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዂሉ፡ ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓቤኹምን ብዂሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ (ቈሎ 1:10)
-
ንእኡ (ንእግዚኣብሄር) ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ (ቈሎ 1:10)
-
ብሓጐስ ብጽንዓት ዘበለ ዂሉ፡ ንብዘሎ ትዕግስትን ዓቕልን ብሓይሊ ክብሩ ክትብርትዑ (ቈሎ 1:11)
-
ነቲ ናብ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ናብ ብርሃን ዘብቅዓና ኣቦ ከተመስግኑ (ቈሎ 1:12)